SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
00:00
00:00

Резюме на епизода

ንሎሚ 22 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

Епизоди

6603-

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (22 ጥቅምቲ 2026)

ንሎሚ 22 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

22 окт. 2026
6602-

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (22 ጥቅምቲ 2026)

ኣርእስታት ዜና፥ ** በዓል ቤታ ንኣባል ባይቶ ፌደራል ሄለን ሄይንስ፡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልቲአን እግራ ከምዝሰኣነት ኣፍሊጡ። ** ቅድሚ ዝመጽእ ሰሙን (27 ጥቅምቲ) ኣብ እስራኤል ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ንሓይልታት ምክልኻል እስራኤልን ሞሳድን ንስርዓት ኢራን ንምውዳቕ መምርሒ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ ** ሩስያ ምስ ኣሜሪካን ዩክሬንን ዝርርብ ሰላም ዳግማይ ክትጅምር ተሰማሚዓ፣ #sbsaudiopodcast

22 окт. 2026
6601-

ኤርትራ ንጻውዒት ሰላምን ምትሕብባርን ምስ ኢትዮጵያ ምላሽ እንተዘይሂብ "ኣዝዩ ከቢድ፡ ከቢድ ፡ ከቢድ ሳዕቤን" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ሓጸርቲ ዜናታት 21 ጥቅምቲ )

** ኣባል ፓርላማ ሀለን ሄንዝ ኣብ ከቢድን ግን ርጉእ ኩነታት ኣብዘላትሉ፡ ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ ኩነታት ጸጥጣ መለጺ ክወሃቦም’ዩ ... ** መንግስቲ UK ንሱዕዲ ዓረብ ዝህቦ ወተሃደራዊ ድገፍ ከምዘስፍሖ ኣፍሊጡ... #sbsaudiopodcast

21 окт. 2026
6600-

“ተበራቢረ፡ ንገዛእ ርእሰይ ድማ ረኺበያ’ለኹ።” ሃይለ ገብሩ

ሃይለ ገብሩ፡ ብሰፊሕ ኣተሓሳስባኡ ዝፍለጥ፡ ኣብ ንእስነቱ “ኣምላኽ የለን” ንዝብል ኮሚኒስታዊ ኣተሓሳስባ ንምምጓት መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ዘንበበ ድሒሩ ግና ንማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ተቐቢሉ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ዝሰበኸሉ ኣተሓሳስባ’ዩ። ኣብ ጥቓ ሱዳን ብህዝባዊ ሓልታት ንኽልተ ዓመት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ውን ከምኡ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣውስትራሊያ ቅድሚ ኣስታት 30 ዓመት ዝኣተወ እዩ። ሃይለ ገብሩ ኣብ ፖሎቲካን ንግድን ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ለውጢ ኣምጺኡ ኣሎ። ብወዲ ማልታ ሓሳብን ጸሕፍን Edward de Bono ተጸልዩ ብ ደ ቦኖ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ደጋጊሙ ብምንባብ ኣብዚ ኣተሓሳስባ ምርኩስ ዝገበረ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ኣዳልዩን ብማሕበራዊ መራኸቢ ሓሳባቱ ክገልጽን ኣብ ምሽብሻብ ዝርከብ’ዩ። #sbsaudiopodcast

20 окт. 2026
6599-

ኣባል ባይቶ ኣውስትራሊያ ብማኪና ተጋጭያ፡ ፖሎቲካዊ ምንህሃር ከይህሉ መጠንቀታታት ቀሪቡ፡ (ዕለታዊ SBS ዜና ትግርኛ 20 ጥቅምቲ)

** ኣባል ባይቶ ኣውስትራሊያ ሄለን ሃንዝስ ብመኪና ድሕሪ ምውቃዓ፡ ፖሎቲካዊ ጎንጺ ተኾኒኑ። ** ኣብ ፈረንሳ ድሕሪ ዝተፈጸመ ጎኖጻዊ ዕግርግር ምጽርራይ ዕንወት ክግበር ጀሚሩ። ** ኣብ የመን ኣብ ዝርከብ ማእከል ታዕሊም ብሰለስተ ባሊስቲክ ሚሳይላት ሖቲ ተወቒዑ። #sbsaudiopodcast

20 окт. 2026